Resumen del episodio
*** ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ዑቕባኦም ንዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክሰጓ መደብ ከምዘለወን ኣፍሊጠን። ... *** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ኣብ ሓንቲ ሚኒባስ ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም... *** ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ን ምስ ኣቦ መንበር ናይቲ ብ"ምትሕብባር ንህልውና" ዝፍለጥ ጥምረት ዘመነ ካሰ ዘተ ከምዘካየደ ተገሊጹ። #sbsaudiopodcast
*** ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ዑቕባኦም ንዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክሰጓ መደብ ከምዘለወን ኣፍሊጠን። ... *** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ኣብ ሓንቲ ሚኒባስ ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም... *** ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ን ምስ ኣቦ መንበር ናይቲ ብ"ምትሕብባር ንህልውና" ዝፍለጥ ጥምረት ዘመነ ካሰ ዘተ ከምዘካየደ ተገሊጹ። #sbsaudiopodcast
Episodios
ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ዑቕባኦም ንዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክሰጓ መደብ ከምዘለወን ኣፍሊጠን። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (17 ሕዳር 2026)
Escuchado*** ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ዑቕባኦም ንዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክሰጓ መደብ ከምዘለወን ኣፍሊጠን። ... *** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ኣብ ሓንቲ ሚኒባስ ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም... *** ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ን ምስ ኣቦ መንበር ናይቲ ብ"ምትሕብባር ንህልውና" ዝፍለጥ ጥምረት ዘመነ ካሰ ዘተ ከምዘካየደ ተገሊጹ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ሕዳር 2026)
Escuchadoቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ሕዳር 2026) #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና ትግርኛ SBS (16 ሕዳር 2026)
Escuchadoኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ሊበራል ቪክቶርያ እንተ ተመሪጹ፡ ገበነኛታት መንእሰያት ናይ ሓጺር ስልጠና ብምሃብ ወይ ኣብ ቡትካምፕ ብምእታው ናብ ስራሕ ከዋፍሮም ምዃኑ ኣፍሊጡ ባሕሬን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ተወቒዓ። ኣውስትራልያ ኣብ ክልቲኡ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ራግቢ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣንጻር ኒውዚላንድ ዋንጫኣ ብዓወት ተኸላኺላ። #sbsaudiopodcast
ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF) ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩናት እንተጋጢሙ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። (ጸብጻብ)
Escuchadoኤርትራውያን ምስ ካልኦት ዜጋታት ብምዃን ኣንጻር ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ግጭታት ብዝምልከት ንመሪሕነት ኤርትራ ከሲሱ። ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF) ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩናት እንተጋጢሙ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። ኣብ ድልየት ዝተሞርኮሰ ምምላስ ተመዛበልቲ ክካየድ እዩ" ክብል በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ መንግስቲ እስራኤል፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፡ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ 3,500 ዶላር ኣሜሪካ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣቕሪቡ። ኣብ ሞያሌ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኢትዮጵያ ጠንቂ ምፍንቓል ልዕሊ 10,000 ኬንያውያን ኮይኑ። #sbsaudiopodcast
ኣብ ጽባሕ ምቁራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት ከመይ ኢሉ'ዩ ንኣውስትራልያውያን ሓደጋ ጸጥታ ሳይበር (Cybersecurity) ከጋጥሞም ዝኽእል፧
Escuchadoትካላት ንግዲ፣ ንመጻኢ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጸገማት ምቁራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት መሐለውታ ከዳልዋ ክኢላታት የተባብዑ ኣለዉ። #sbsaudiopodcast
"ህዝቢ'ዩ ቅድሚ ሃገር ዝስራዕ" ሳልሕ፡ "ሃገር እንተ ፈሪሳ ህዝቢ ክህሉ ኣይከኣልን'ዩ" ሃ/ሚካኤል (ሊንጎ)
Escuchadoመንግስቲ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዳግም ካብ ኤርትራ ንምውሳድ "ብዲፕሎማሲ ወይ ብሓይሊ" ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ብዝለዓለ ናህሪ ይገልጽ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነዚ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዝብሎ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይወስድ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ጎሳጒስካ ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሃገሩ ደው ክብል ምግባር እዩ። ነዚ ስዒቡ፡ "ኩሉ ድሕሪ ሃገር" ብምባል ኣብ ጎኒ መንግስትን ሰራዊትን ደው ዝብሉን በቲ ኻልእ ድማ "ፍትሒ ምስዘጉደለ መንግስቲ ሃገር ኣይትድሕንን" ዝብሉ ክትዓትን፡ "ህዝቢ ዶ ሃገር ይቐድም" ዝብል ዘረባታትን ዓሚሮም ኣለዉ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንጠጥዩ ዘሎ ኲነታትን ህዝቢ ዘልዕሎም ዘለዉ ክትዓትን ኣመልኪትና ምስ ሳልሕ ጋዲ ጆሃርን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ዝተገብረ ዝርርብ) #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝት ትግርኛ (12 ሕዳር 2026)
Escuchadoቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 ሕዳር 2026) #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 ሕዳር 2026)
Escuchadoኣርእስታት ዜና፥ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዋዕላ ክሊማ COP31 ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ኣንጻር ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ብቕልጡፍ ዝሓየለ ስጉምቲ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ። ዓቢ መሸጢ ዕዳጋ ዴቪድ ጆንስ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ መላእ ሓሙሽተ ግዝኣታት 19 ድኳናት ክዓጽው እዩ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለም ልዕሊ 3,000 ሰባት ብሕማም ኮሌራ ከምዝሞቱን ኣፍሊጡ። #sbsaudiopodcast
ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ኢትዮጲያን ኤርትራን ከህድእ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ።
Escuchadoወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናገደደ ብምኻዱ፡ ሃገራት ጉጅለ G7 ንሓደጋ ምስፋሕ ዞባዊ ግጭት መጠንቀቕታ ሂቦም። ናይ ኣሜሪካ ሰነተራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝስፋሕፋሕ ግጭት ንምክልኻል ስጉምቲ ካልኣይ ደብዳቤ ጽሒፎም። ኢትዮጵያ ፡ኤርትራን ሱዳንን ንዕጡቓት ጉጅለታት ይድግፋን መጥቃዕቲ ድሮን የካይዳን ኣለዋ ክትብል ናብ ልኡኽ ሕቡራት_ሃገራት ክሲ ኣቕሪባ። ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ኢትዮጲያን ኤርትራን ከህድእ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ። ኣብ ትግራይ ምኽፋል መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተጀሚሩ። በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ዕደና ወርቂን ካልእ ክቡር መኣድንን ብህፁፅ ጠጠው ክብል መምርሒ ኣውሪዱ። ኣብ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን 'ናይ ጣዕሳ ፎርም' ከይፈረሙ መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ተፈቒዱሎም። ኣብ ጅማ ኦሮምያ ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰብ ሓሊፉ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ሕዳር 2026)
Escuchado** ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ [[ረቡዕ 11 ሕዳር]] ነቶም ኣብ ግጭትን ስርሒታት ዓቃብ ሰላምን ዘገልገሉን ዝሞቱን ኣፍልጦ ብምሃብ ስርዓተ ዝኽሪ ተገይሩ። ... ** ሰበስልጣን ሩስያን ዩክሬንን ድሕሪ ወርሒ ለካቲት ንፈለማ እዋን ዝርርብ ሰላም ክገብሩ ኣብ ኣቡዳቢ ተራኺቦም። ... ** ሚኒስተር ኲናት ኣሜሪካ [[ጸሓፊ ምክልኻል]] ፒት ሄግሰት፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኢራን ዝተኻየደ ኲናትን ኣብ ወርሒ ጥሪ ንፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ወራርን ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝግበር ንዘሎ ጻዕሪ ኣቃሊልዎ። #sbsaudiopodcast
What does Kumanjayi mean? Understanding Sorry Business - ኩማንጃይ እንታይ ማለት እዩ፧ ብዛዕባ ስርዓተ ሓዘን ደቀ'ባት-Sorry Business ምርዳእ
EscuchadoWhen someone dies, families and communities may have cultural practices and responsibilities around mourning. For many Aboriginal and Torres Strait Islander people, this is known as Sorry Business. There is no single way to observe Sorry Business. Practices differ between communities, families and language groups. Learn about what Sorry Business can involve, what the term “Kumanjayi” means in some Central Australian communities, and how you can show care when someone is grieving. - ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ፡ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ኣብ ዙርያ ሓዘን ባህላዊ ልምድታትን ሓላፍነትን ክህልዎም ይኽእል። ንብዙሓት ኣቦርጅናውያን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን እዚ ስነ ስርዓት ዓዘን ብሶሪ ቢዝነስ ይፍለጥ። ሶሪ ቢዝነስ ክትዕዘበሉ እትኽእለሉ ሓደ መንገዲ የለን። ኣሰራርሓታት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት፡ ስድራቤታትን ጉጅለታት ቋንቋን ይፈላለዩ እዩ። ብዛዕባ ሶሪ ቢዝነስ እንታይ ከጠቓልል ከም ዝኽእል፡ “ኩማንጃይ” ዝብል ቃል ኣብ ገለ ማሕበረሰባት ማእከላይ ኣውስትራልያ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ሰብ ክሓዝን ከሎ ብኸመይ ሓልዮት ከተርኢ ከም እትኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። #sbsaudiopodcast - #sbsaudiopodcast
ብድሆታት መንእሰያት ኣፍሪቃን ንምሕጋዞም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታትን፡ ዝርርብ ምስ ዋና ኣካያዲ ኣፍሪከውዝ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ።
Escuchadoመንእሰያት ኣፍሪቃውያን ኣውስትራሊያውያን ኣብ ትምህርቲን ኣብ ስራሕ ምርካብን ብዙሕ ብድሆታት ኣለዎም። እዚ ብፍላይ ምስ ገበን ተተሓሒዙ ካብ'ቲ ኣዚዩ ንህይወቶም ዘጸግም ዘሎን ክወጽእሉ ኣብ ዘይክእልሉ ዕንክሊል ዘእትዎምን ኮይኑ ኣሎ። ብንኡስን ዓብን ገበን ተኸሲሶም ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ናብ ኣሸሓት ቁጽሪ ደይቡ ይርከብ። ነዚ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ኣብ ጎኒ ወለድን ትካላት መንግስቲን ዝሰርሕ ዘሎ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል Africause ሓደ እዩ። ነቲ ኣብ መንአያት ዘሎ ጸገምን ትካሎም ዝገብሮ ንጥፈታትን ንኽምልሰልና ምስ ዋና ኣካያዲ'ቲ ትካል ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
"ኢትዮጵያ፥ ልኡላዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕራ ዳግማይ ንምርካብ ብሓይሊ'ውን ቈሪጻ ኣላ።" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ። (ዜና 10 ሕዳር 2026)
Escuchado** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ ኣውስትራልያ ብሓባር እተአንግዶ ዘላ ዋዕላ ክሊማ COP31 ናብ ቱርኪ ክገይሽ ምዃኑ ተፈሊጡ... ** ዋና ኣካያዲ ትካል ተክኖሎጂ ኒቪድያ ምስ ቻይናዊት ሰላዪት ዝምድና ኣለዎ ብዝብል ኣብ ወጥሪ ኣትዩ... ** ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መንበረ-ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዓሪፎም... #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 ሕዳር 2026)
Escuchadoቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 ሕዳር 2026) #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሕዳር 2026)
Escuchadoኣርእስታት ዜና፥ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሰንዓ የመን ኣብ እትርከብ ቁሸት ባኒ ሑሻይሽ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምክያዳ ብውሕዱ 32 ሰባት ተቐቲሎም። ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ሓድሽ መንግስቲ ንከቕውም ንሓላፊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነበር ጋድ ኣይዘንኮት መሪጹ። ኣውስትራልያ ንፊጂ 30 ብ 14 ብምስዓር ንሓሙሻይ ግዜኣ ተኸታታሊ ናብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ራግቢ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ሓሊፋ። #sbsaudiopodcast
ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ገደብ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ተነቢሩ። (ጸብጻብ)
Escuchadoልኡኽ ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ተራኺቡ። ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ገደብ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ተነቢሩ። ብወገን ብተዋጋእቲ ዕጡቓት ድማ መፈራርሒ ወረቐት ተበቲኑ ብተዛማዲ ሓበሬታ ኣብ ጋምቤላ ድሕሪ ምሸት ሰዓት 1፡00 ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ተነቢሩ ሕቡራት ሃገራት ። ብሰንኪ ግጭት ሞያለ ናብ ኬንያ ንዝተሰደዱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ 3 ሚልዮን ዶላር መዲቡ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዞባ ኣሶሳ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሓዊሱ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሰሚዑ። #sbsaudiopodcast
ኣድመጽቲ ንኣጀንዳ ትራምፕ ነጺጎሞ። ንሱ ግን ሕጂ ንሓደ ካብ እኽረርቲ ማጋ (MAGA) ሓለቓ ስታፍ ክኸውን ሰምይዎ
Escuchadoፖለቲካዊ መርገጺ'ቲ ሓድሽ ተሰምዩ ዘሎ መራሒ ወይ ኣመሓዳሪ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ፡ ስቲፈን ሚለር፡ ዘመልክቶ፡ ድሕሪ ስዕረት ምርጫታት መፋርቕ ግዜ ስልጣን (midterm)፡ ትራምፕ፡ ኣካይድኡ ወይ ኣንፈቱ ክቕይር ዘይምዃኑ'ዩ። #sbsaudiopodcast
ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ- ኣመታቱን ተሳትፎ ኣፍሪቃውያንን ፡ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ቶማስ ኣርኣያ
Escuchadoብዛዕባ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ደሞክራታውያን (Democrats) ንክልቲኦም ባይቶ ወይ ኮንግረስ ክቆጻጸሩ ዘኽእሎም ህዝቢ ድምጹ ሂቡ ኣሎ። ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ወሲኽካ ኣብዚ ምርጫ ዝተሳተፉን ዝተዓወቱን ብዙሓት ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሕጹያት ተራእዮም። ነዚ ብዝምልከትን እቲ ምርጫ ኣብ ህይወት ኣመሪካውያንን ዝህልዎ ጽልዋ ኣመልኪትና ምስ ዶ/ር ቶማስ ኣርኣያ ዝተገብረ ቃለ ምሕትት። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝት ትግርኛ (05 ሕዳር 2026)
Escuchadoቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (05 ሕዳር 2026) #sbsaudiopodcast
ኣብ ኣሜሪካ ታሪኽ ዝተሰርሓሉ ኮንግረስ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰልፊ ዲሞክራትስ ኣትዩ
Escuchadoኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ደሞክራታውያን (Democrats) ክልቲኦም ኣዳራሻት ባይቶ ወይ ኮንግረስ ክቆጻጸሩ ዘኽእሎም እኹል ቁጽሪ ወናብር ገልቢጦም ወይ ካብ መቐናቕንቶም ሪፓብሊካንስ መንጢሎም ወሲዶም። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ካብ’ቶም ውጽኢታት ነብሱ ከርሕቕ ይደሊ። #sbsaudiopodcast
ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ሰጒጓ። (ጸብጻብ)
Escuchadoትግራይ ዝሞበቆላ ኢትዮጵያዊት አሜሪካዊት ሜላት ኪሮስ ፈላመይቲ ጄንዚ ጓልኣንስተይቲ ኣባል ኮንግረስ አሜርካ ኰይና። ብተመሳሳሊ መገዲ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰ ውን ደጊሙ ኣብ ኮሎራዶ ተዓዊቱ። ሶማሊያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑመር'ውን ልዕሊ 76% ብምርካብ ኣብ ሚኒሶታ.። ተዓዊታ ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናጽነት ፕረስ ዘለዎ መርገጺ ክቕይር ጸቕጢ ክገብሩ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ሰጒጓ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንከይሳተፍ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ምስ ትግራይ ብዝተሓሓዝ ዝተኸሰሰሉ ገበን ኽሕደት ሃገር ኣሚኑ። #sbsaudiopodcast
ግብጽን ሱዳንን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (4 ሕዳር 2026)
Escuchado** ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራሊያ ነቲ ወግዓዊ መጠን ወለድ ገንዘብ ናብ 4.85 ሚእታዊት ኣዕብይዎ ኣሎ - እዚ ካብ 2008 ጀሚሩ ዝለዓለ ዕብየት እዩ። ** ግብጽን ሱዳንን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን። **ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ እቲ ታሪኻዊ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ኣብ መፋርቕ ምርጫ ገለ ካብ መናብር ሰልፉ ክስእን ትጽቢት ከምዘለዎ ተኣሚኑ ። #sbsaudiopodcast
Be prepared for snake season in Australia - ምድላው ንወቕቲ ኣትማን ኣውስትራሊያ፥
EscuchadoSnakes are often seen in Australia in spring and summer. You may also see one at other times of year, depending on the weather. Here are some expert tips on snake behaviour and what to do if you see one. - ኣትማን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ጽድያን ሓጋይን እዮም ዝረኣዩ። ኣብ ካልእ እዋን ዓመት እውን ከከም ኩነታት ኣየር ክትሪኢ ትኽእል ኢኻ። ገለ ናይ ክኢላታት ምኽርታት ብዛዕባ ባህርያት ፡ተመንን እንተርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ፈላማይ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሶማሊላንድ ንፕረዚደንት ብወግዒ ወረቐቱ ኣቕሪቡ፡ (ጸብጻብ)፡ SBS ትግርኛ (03 ሕዳር 2026)
Escuchado*** ሎሚ መጠን ወለድ ክውስኽ ምዃኑ ትጽቢት ኣብዝግበረሉ ዝቕባበ ንኽትሕት ስጉምቲ ክውሰድ ጻዊዒት ቀሪቡ። *** ኣብ ልዕሊ ሱፐርማርኬታት ኤውሮጳ ዝፍጸም ናይ ስልኳ ወይ ሃኪንግ መጥቃዕቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ካብ ሽወደን ክሳብ ቤልጅየም ኣብ ፍሪጅን ፍሪዘርን ብምጥቃዕ ተስፋሕፊሑ። *** ፈላማይ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሶማሊላንድ ንፕረዚደንት ናይታ ካብ ዓባይ ሶማል ተገንጺላ ትርከብ ግዝኣት መረጋገጺ መንነቱ ኣቕሪቡ፡ #sbsaudiopodcast
ኣሜሪካውያን ኣብ መፋርቕ ምርጫ ንመን’ዮም ዝመርጹ ዘለዉ፧
Escuchadoኣብ ዩናይትድ ስቴትስ፡ ኣብ ፍርቂ ናይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘመነ ስልጣን ዝካየድ ምርጫን ውጽኢቱን ንምፍላጥ ህዝብታት ዓለም ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ። እቲ ምርጫ ጽባሕ ሰሉስ፡ 3 ሕዳር ክካየድ እዩ። #sbsaudiopodcast
ኣሜሪካ ተድምጽ፣ ድሕሪ ትራምፕ እንታይ’ዩ ክመጽእ ዝብል ሪፓብሊካውያን ዝምልስዎ ዝዓበየ ሕቶ
Escuchadoድሕሪ ትራምፕ ዓቃባዊ ፖለቲካ እንታይ ክኸውን’ዩ፧ እዞም ምርጫታት መፋርቕ ግዜ ስልጣን (midterms) ገለ ኣንፈት ክህቡና ይኽእሉ’ዮም። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ሕዳር 2026)
Escuchado* ዕለታዊ ዜና ኤስቤስ ትግርኛ - ምውፋር ወተሃደራዊ ቅዲ ዘለዎም ጠበንጃታት ዝዓጠቑ ፖሊስ ኣብ ህቡባት ቦታታት ቱሪዝም፣ ቦታታት እምነትን ዓበይቲ ውራያትን ከተማ ሲድኒ ዝተሓዋወሰ ግብረመልሲ ፈጢሮም፣ - ወነንቲ ብረት ኣብ መላእ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ፣ ናይ’ታ ግዝኣት መደብ ምእካብ ወይ መሊስካ ምግዛእ ኣብ ዝጀመረሉ፣ መሳርሒታቶም ካብ ሎሚ ጀሚሮም ከረክቡ ይኽእሉ’ዮም። - ኣብ ፍራንክፈርት ጎነጻዊ ናዕብታት ድሕሪ ምልዓሎም ልዕሊ 100 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦምን 54 ሰባት ድማ ተኣሲሮም። * ምባፐን ርእይቶኡ ዝፈጠሮ ክትዓትን ነቐፌታታን ኣብ ቻይናውያን [መደበራት ቴሌቪዥን ቻይና ኮኾብ ሪያል ማድሪድ ፈረንሳዊ ኪልያን ምባፐ ብዛዕባ ማኦ ዘዶንግ ድሕሪ ዝሃቦ ዋዛ ሓዘል ርእይቶ ሸፈነ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ላሊጋ ኣቋሪጸንኦ። ምባፐ ዝተዛረቦን ዘስዓቦ ግብረመልስታትን እንታይ ኔሩ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶ ኢና።] * ጸብጻባት ልኡኽና ►ኤርትራ ነታ ‘ሓንቲ ካብ 100 ጀጋኑ ልምዓት’ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ጓለንስተይቲ ኣተባቢዓ፣ ሓይልታት ምሕዝነት ንህልውና ሕጂ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ከም ዝዕልሙ ገሊጾም፣ ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ሃይማኖት መሰረት ብምግባር ዝተፈጸሙ ቅትለታት ኮኒና ምርመራ ክግበር ጸዊዓ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብምክንያት’ቲ ብዘይ ፍርዲ ዝፍጸም ማእሰርቲ፡ ምስዋር ዜጋታትን ጉድለት ተሓታትነትን ዝጀመሮ ጸቕጢ ቀጺሉሉ፣ ሱዳን ንግዝኣታ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምፍቃድ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ክቐትሉ ወይ ክቖስሉ ገይራ ኢላ ንኢትዮጵያ ከሲሳ ዝብሉ ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። *ግዝኣት ቪክቶርያ ምርጫኣን ►ቀቅድሚ ናይ ወርሒ ሕዳር ምርጫ ግዝኣት ቪክቶርያ ዝተኣከቡ መለክዒታት ርእይቶ ህዝቢ ልዑል ወሰኽ ኣብ ደገፍ ንሰልፊ ዋን ኔሽን ኣርእዮም። እንተኾነ ግን…
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (2 ሕዳር 2026)
Escuchadoንሎሚ ዝተዳለወ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ኣርእስታቱ)፡ * ምውፋር ወተሃደራዊ ቅዲ ዘለዎም ጠበንጃታት ዝዓጠቑ ፖሊስ ኣብ ህቡባት ቦታታት ቱሪዝም፣ ቦታታት እምነትን ዓበይቲ ውራያትን ከተማ ሲድኒ ዝተሓዋወሰ ግብረመልሲ ፈጢሮም፣ * ወነንቲ ብረት ኣብ መላእ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ፣ ናይ’ታ ግዝኣት መደብ ምእካብ ወይ መሊስካ ምግዛእ ኣብ ዝጀመረሉ፣ መሳርሒታቶም ካብ ሎሚ ጀሚሮም ከረክቡ ይኽእሉ’ዮም። * ኣብ ፍራንክፈርት ጎነጻዊ ናዕብታት ድሕሪ ምልዓሎም ልዕሊ 100 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦምን 54 ሰባት ድማ ተኣሲሮም። #sbsaudiopodcast
Victorian election and migrant communities - ምርጫ ቪክቶርያን መጻእቲ (ናይ ደገ) ማሕበረሰባትን
EscuchadoPolling ahead of this November's Victorian state election shows a surge in support for One Nation. But the data suggests that some of their rising support has come from a surprising source - namely migrant communities. - ቀቅድሚ ናይ ወርሒ ሕዳር ምርጫ ግዝኣት ቪክቶርያ ዝተኣከቡ መለክዒታት ርእይቶ ህዝቢ ልዑል ወሰኽ ኣብ ደገፍ ንሰልፊ ዋን ኔሽን ኣርእዮም። እንተኾነ ግን እቶም ኣሃዛት ዘመልክትዎ ገለ ካብ'ቲ ዝውስኽ ዘሎ ደገፍ ካብ ሓደ ዘገርም ወይ ዘይትጽበዮ ምንጪ ምምጽኡ'ዩ - ካብ መጻእቲ ማሕብረሰባት (migrant communities)። #sbsaudiopodcast - #sbsaudiopodcast
ኣሜሪካ ኣብ ኣርሲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኮኒና መርመራ ክካየድ ጸዊዓ (ጸብጻባት)
Escuchadoጸብጻባት ዜና (2 ሕዳር 2026) * ሓይልታት ምሕዝነት ንህልውና ሕጂ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ከም ዝዕልሙ ገሊጾም፣ * ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ሃይማኖት መሰረት ብምግባር ዝተፈጸሙ ቅትለታት ኮኒና ምርመራ ክግበር ጸዊዓ፣ * ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብምክንያት’ቲ ብዘይ ፍርዲ ዝፍጸም ማእሰርቲ፡ ምስዋር ዜጋታትን ጉድለት ተሓታትነትን ዝጀመሮ ጸቕጢ ቀጺሉሉ፣ * ሱዳን ንግዝኣታ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምፍቃድ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ክቐትሉ ወይ ክቖስሉ ገይራ ኢላ ንኢትዮጵያ ከሲሳ #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ስፐይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካልኣይ ልዑል ቁጽሪ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ባቡር ኣጋጢምዋ ኣብ ሓዘን ኣትያ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣብ’ታ ሃገር ክኽበር’ዮ። * ዝተሳዕረ ብራዚላዊ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፍላቪዮ ቦልሶናሮን ስድራቤቱን ኣብ ኣሜሪካ ኣትዮም፣ * ኣማኢት ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኳንታስን ኳንታስሊንክን ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ኣካይዶም፣ ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና * ሩስያ ምስ ኤርትራ ክዓርቃ ቅርብቲ'የ ኢላ ደጊማ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ንኢትዮጵያ ነፈርቲ ኩናት ኣረኪባታ፣ ጸረ ኣየር ሚሳይላት'ውን ከተቐብላ'ያ፣ ግጭት ሞያሌ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ክሃድሙ ገይሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓታዊ ምምዝባል እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክብል ምሕዝነት ንህልውና ገሊጹ፣ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ስርሑ ዓጽዩ፣ ምርጫ ግዝኣት ቪክቶርያ፣ ኣውስትራልያ * ግዝኣት ቪክቶርያ ብልምዲ ከም ገስጋሲት ግዝኣት’ያ ትረአ። ዋን ኔሽን ህቡብነቱ እናወሰኸ ምስ ምኻዱ ግን ሕዳር ዝካየድ ምርጫ እታ ግዝኣት ናብ የማን ትዝንብለሉ ተኽእሎ ወይ ዕድል የምጽእ ኣሎ። ስለ’ዚ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ከመይ ጌረን’የን ንደገፍተን ከእምና ዝፍትና ዘለዋ? ኣብ ልዕሊ ፈደራል ኣባል ባይቶ ሄለን ሄይንስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ድሕነትን ሓደገኛ/መርዛማት ዝኾኑ ጎስጓሳትን ሓድሽ ክትዕ ተላዒሉ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቃለመሕትት * ኣብ ዝሓለፉ መደባትና ምስ ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ ኣቶ ሃይለ ገብሩ ዝገበርናዮም ክልተ ክፋል ዕላላት ኣቕሪብና ኔርና። ንሱ ማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተጋደለን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዘገልገለን’ዩ። ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመታት ክመጽእ’ንከሎ ኣብ ሱዳንን ኣዲስ ኣበባን ብማእሰርቲ ግዜ ኣሕሊፉ’ዩ። ኣብ…
ስፐይን ልዑል ቁጽሪ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ባቡር ኣጋጢምዋ፣ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ከተኽብር'ያ - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2026) * ስፐይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካልኣይ ልዑል ቁጽሪ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ባቡር ኣጋጢምዋ ኣብ ሓዘን ኣትያ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣብ’ታ ሃገር ክኽበር’ዮ። * ዝተሳዕረ ብራዚላዊ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፍላቪዮ ቦልሶናሮን ስድራቤቱን ኣብ ኣሜሪካ ኣትዮም፣ * ኣማኢት ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኳንታስን ኳንታስሊንክን ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ኣካይዶም፣ * ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲ ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ካርሊንግ ካፕ ሓሊፈን፣ #sbsaudiopodcast
ሩስያ ምስ ኤርትራ ክዓርቃ ቅርብቲ'የ ኢላ ደጊማ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ንኢትዮጵያ ነፈርቲ ኩናት ኣረኪባታ፣ ጸረ ኣየር ሚሳይላት'ውን ከተቐብላ'ያ (ጸብጻባት)
Escuchadoሩስያ ምስ ኤርትራ ክዓርቃ ቅርብቲ'የ ኢላ ደጊማ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ንኢትዮጵያ ነፈርቲ ኩናት ኣረኪባታ፣ ጸረኣየር ሚሳይላት'ውን ከተቐብላ'ያ፣ ግጭት ሞያሌ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ክሃድሙ ገይሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓታዊ ምምዝባል እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክብል ምሕዝነት ንህልውና ገሊጹ፣ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ስርሑ ዓጽዩ፣ #sbsaudiopodcast
እስራኤል ድምጽታት ትቖጽር፣ መን ክመርሓ'ዩ ግን ገና ንጹር ኣይኮነን - ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (28 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 ጥቅምቲ 2026) * ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያን ፈደራል ተሓዝ ሕሳብን ዝቕባበ ንንውሕ ዝበለ እዋን ልዑል ኮይኑ ክጸንሕ'ዩ ይብሉ፡ * ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ግሪንስ ደይቪድ ሹብሪጅ ንዳርጋ ኩሎም ሰራሕተኛታት ናይ 1000 ዶላር ኣውስትራልያ ኣብ ዓመት ሕድገት ቀረጽ ዝገብር መደብ ኣፍሊጡ፡ * ናይ ፈለማ ዝተኣከቡ ርእይቶታት ኣድመጽቲ (ኤግዚት ፖልስ) ምርጫ እስራኤል ተዘርጊሖም - መን'ዩ ኣብ መወዳእትኡ መንግስቲ ዝምስርት ግን ንጹር ኣይኮነን፣ #sbsaudiopodcast
Could Victoria shift right after 12 years of Labor? - ኣውስትራልያዊት ግዝኣት ቪክቶርያ ድሕሪ ናይ 12 ዓመታት መሪሕነት ሰልፊ ለይበር ናብ የማን ክትቅይር ድያ፧
EscuchadoAs Victoria prepares to vote, major and minor parties are battling for support on the issues that matter most to voters. - ቪክቶርያ ክትመርጽ ኣብ ትዳለወሉ፣ ዓበይትን ንኣሽቱን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣብ'ቶም ንኣድመጽቲ ኣዝዮም ዘገድሱ ዛዕባታት ደገፍ ንምርካብ ይቃለሳ'ለዋ።
ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ኣብ ዘዕለቕለቑ ማያት ሬሳ ሓደ ሰብ ተረኺቡ፣ ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoንሰሉስ 27 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ - * ንመዓልታት ዝጸንሑ ከበድቲ ዝናባትን ህቦብላታትን ተኸቲሉ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ኣብ ዘዕለቕለቑ ማያት ሬሳ ሓደ ሰብ ተረኺቡ፣ * ፈቓድ ዋንነት ብረት/ኣጽዋር ዘለዎም ሰባት ኣብ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ኣጽዋራቶምን ጥይታቶምን ከረክቡ ብኦንላይን ቆጸራ ክሕዙ ክኽእሉ’ዮም፡ * ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንሓበሬታ ብዛዕባ ኢቦላ መልሲ እናሃቡ’ንከለዉ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም ሓንቲ ነርስ ክትቅተል’ንከላ ሓደ ሰራሕተኛ ጥዕና ድማ ብኸቢድ ተጎዲኡ፣ #sbsaudiopodcast
How people shape change, and why your voice matters | How Australia Works - ሰባት ንለውጢ ከመይ ይቐርጽዎን ድምጽኹም ንምንታይ የገድስን | How Australia Works
EscuchadoCan a small group change a local council decision? When Julie learns her community library may close, she joins other residents in a campaign to save it. Her story explores how you can take part in Australian democracy by signing petitions, attending community meetings, contacting councillors and voting. - ውሑዳት ሰባት ከባብያዊ ምምሕዳር ዝወሰዶ ውሳነ ክቕይርዎ ይኽእሉ ዶ፧ ጁሊ ናይ ከባቢኣ ቤት ንባብ ክዕጾ ከምዝዓል ምስ ፈለጠት ኣብ ጎስጓስ ምድሓኑ ንካልኦት ነበርቲ ተጸንቢራቶም። እቲ ዛንትኣ ንስኩምውን ከመይ ኢልኩም ኣብ ደሞክራሲ ኣውስትራልያ ክት ሳተፉ ትኽእሉ ይፍትሽ፣ ፌርማታት ብምትእክካብ፣ ኣብ ኣኬባታት ማሕበረሰብ ብምስታፍ፣ ንኣባላት ቤት ምክርን ምምሕዳርን ብምርካብን ድምጺ ብምሃብን። How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - ብንጹር መግለጺታትን ሓቀኛ ዛንታታትን ኣቢሉ፡ መንግስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይሰርሕ፣ ሕግታት ከመይ ይወጹን ይቕየሩን፣ ከምኡ'ውን ድምጽኹም ከመይ ከተስምዑ ትኽእሉን ዝድህስስ ፈነወ ፖድካስት SBS እዩ። ነዚ ተኸታታሊ ትሕዝቶ ስምዕዎ ኢኹም፣ ኣብ ቀንዲ ገጽ…
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (26 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoንሎሚ ዝተዳለወ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ኣርእስታቱ)፡ * መራሒ ሰርብያ ኣብ ምርጫ ሃገሩ በቲ ብተመሃሮ ዝተመርሐ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ከምዝተሳዕረ ኣሚኑ፣ * መራሕቲ ቱሪዝምን ፖለቲከኛታት ኣብ ዘሞገስዎ ስነስርዓት ካብ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውስትራልያ ናይ ፈለማ ንግዳዊ በረራ ብዓወት ተበጊሳ፣ * ተቓዋሚ ሰልፊ ኣውስትራልያ ትካላት ጸጥታ ንድሕነት ፖለቲካውያን ኣብ ዝሕልዋሉ ወይ ዝከላኸላሉ ሚዛን ክሕልዋ ኣለወን ይብል፣ ጸብጻብ ልኡኽና * በዓል ሓደራ ተባሂሉ ዝቖመ ምምሕዳር ትግራይ ብኹናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ሓለዋ ፀጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንውሑዳት ሃገራት ጥራይ ዝግደፍ ኣይኮነን ብምባል ተሳትፎ ክህልዋ ሓቲታ፣ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ሕቶ ምስሉይነት ዝብል ምላሽ ሂቡዎ፣ * ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣጠንቂቑ፣ * ኦፌኮ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ንዘጋጠመ ጐንፂ ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ነቒፉ። * ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ናይ ፈለማ ሕሙም ኢቦላ ድሕሪ ምርካባ ኣፍሪቃ ‘ዝተሓላለኸ’ ኩነታት ለበዳ ይጽበያ። ኣብ ዲኣርሲ ዝተበገሰ ለበዳ፣ ሕጂ፣ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስጋሩ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ስግኣታት ክለዓሉ ገይሩ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ ብሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ዝፍለጥ፡ ኣብ ንእስነቱ “ኣምላኽ የለን” ንዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንምምጓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዘንበበ ድሒሩ ግና ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝጎስጎሰ’ዩ። ኣብ ጥቓ ሱዳን ብህዝባዊ ሓልታት ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ከምኡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመት…
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (26 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoንሎሚ ዝተዳለወ ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፡ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ፡ * መራሒ ሰርብያ ኣብ ምርጫ ሃገሩ በቲ ብተመሃሮ ዝተመርሐ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ከምዝተሳዕረ ኣሚኑ፣ * መራሕቲ ቱሪዝምን ፖለቲከኛታትን ኣብ ዘሞገስዎ ስነስርዓት ካብ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውስትራልያ ናይ ፈለማ ንግዳዊ በረራ ብዓወት ተኻይዱ፣ * ተቓዋሚ ሰልፊ ኣውስትራልያ ትካላት ጸጥታ ንድሕነት ፖለቲካውያን ኣብ ዝሕልዋሉ ወይ ዝከላኸላሉ ሚዛን ክሕልዋ ኣለወን ይብል፣ #sbsaudiopodcast
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣጠንቂቑ (ጸብጻብ)
Escuchadoበዓል ሓደራ ተባሂሉ ዝቖመ ምምሕዳር ትግራይ ብኹናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፣ ኢትዮጵያ ሓለዋ ፀጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንውሑዳት ሃገራት ጥራይ ዝግደፍ ኣይኮነን ብምባል ተሳትፎ ክህልዋ ሓቲታ፣ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ሕቶ ምስሉይነት ዝብል ምላሽ ሂቡዎ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣጠንቂቑ፣ ኦፌኮ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ንዘጋጠመ ጐንፂ ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ነቒፉ ዝብሉ ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። #sbsaudiopodcast
ናይጀርያ ኣብ 10 ዓመት ናይ ፈለማ ሕሙም ኢቦላ ድሕሪ ምርካባ ኣፍሪቃ ‘ዝተሓላለኸ’ ለበዳ ይጽበያ
Escuchadoኣቐዲሙ ኣብ’ዚ ዓመት ኣብ ዲኣርሲ ዝተበገሰ ለበዳ፣ ሕጂ፣ ናብ ምዕራብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሰጊሩ’ሎ፣ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ስግኣታት ክለዓሉ ገይሩ’ሎ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoኣርእስታት ዜና፥ ** በዓል ቤታ ንኣባል ባይቶ ፌደራል ሄለን ሄይንስ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልቲአን እግራ ከምዝሰኣነት ኣፍሊጡ። ** ቅድሚ ዝመጽእ ሰሙን (27 ጥቅምቲ) ኣብ እስራኤል ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤልን ሞሳድን ንስርዓት ኢራን ንምውዳቕ መምርሒ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ ** ሩስያ ምስ ኣሜሪካን ዩክሬንን ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ክትጅምር ተሰማሚዓ፣ #sbsaudiopodcast
ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂብ "ኣዝዩ ከቢድ፡ ከቢድ ፡ ከቢድ ሳዕቤን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜናታት 21 ጥቅምቲ )
Escuchado** ኣባል ፓርላማ ሀለን ሄንዝ ኣብ ከቢድን ግን ርጉእ ኩነታት ኣብዘላትሉ፡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥጣ መለጺ ክወሃቦም’ዩ ... ** መንግስቲ UK ንሱዕዲ ዓረብ ዝህቦ ወተሃደራዊ ድገፍ ከምዘስፍሖ ኣፍሊጡ... #sbsaudiopodcast
“ተበራቢረ፡ ንገዛእ ርእሰይ ድማ ረኺበያ’ለኹ።” ሃይለ ገብሩ
Escuchadoሃይለ ገብሩ፡ ብሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ዝፍለጥ፡ ኣብ ንእስነቱ “ኣምላኽ የለን” ንዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንምምጓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዘንበበ ድሒሩ ግና ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝሰበኸሉ ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣብ ጥቓ ሱዳን ብህዝባዊ ሓልታት ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ከምኡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመት ዝኣተወ እዩ። ሃይለ ገብሩ ኣብ ፖሎቲካን ንግድን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። ብወዲ ማልታ ሓሳብን ጸሕፍን Edward de Bono ተጸልዩ ብ ደ ቦኖ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ደጋጊሙ ብምንባብ ኣብዚ ኣተሓሳስባ ምርኩስ ዝገበረ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ኣዳልዩን ብማሕበራዊ መራኸቢ ሓሳባቱ ክገልጽን ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብ’ዩ። #sbsaudiopodcast
ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ብማኪና ተጋጭያ፡ ፖሎቲካዊ ምንህሃር ከይህሉ መጠንቀታታት ቀሪቡ፡ (ዕለታዊ SBS ዜና ትግርኛ 20 ጥቅምቲ)
Escuchado** ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ሄለን ሃንዝስ ብመኪና ድሕሪ ምውቃዓ፡ ፖሎቲካዊ ጎንጺ ተኾኒኑ። ** ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ዝተፈጸመ ጎኖጻዊ ዕግርግር ምጽርራይ ዕንወት ክግበር ጀሚሩ። ** ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ማእከል ታዕሊም ብሰለስተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ሖቲ ተወቒዑ። #sbsaudiopodcast
How laws change, and why it takes time | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይቕየሩ፡ ንምንታይ ከ ግዜ ይወስድ፧ | How Australia Works
EscuchadoHow do laws change in Australia? Through Rodney Croome’s campaigns for human rights and marriage equality, learn how personal stories, community action, courts and parliament can help change the law, and why the process can take time. - ሕግታት ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ'ዮም ዝቕየሩ፧ ሮድኒ ክሩም ብዘካየዶም ጎስጓሳት ንሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት መርዓን፣ ውልቃዊ ዛንታታት፣ ተበግሶ ማሕበረሰብ፣ ኣብያተ ፍርድን ባይቶን ከመይ ኢሎም ሓደ ሕጊ ክልወጥ ከምዝሕግዙን ንምንታይ እዚ መስርሕ ግዜ ክወስድ ይኽእልን ተመሃሩ። How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' መንግስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይሰርሕ፣ ሕግታት ከመይ ይወጹን ይቕየሩን፣ ከምኡ'ውን ድምጽኹም ከመይ ተስምዑን ክትርድኡ ዝሕግዘኩም ንጹራት መግለጺታትን ሓቀኛ ዛንታታትን ዝጥቀም መደብ ፈነወ ፖድካስት'ዩ። መደብ 'How Australia Works' ንመንግስቲ ኣውስትራልያ፡ ሕግታትን ሲቪካዊ ተሳትፎን ንምርዳእ ዝሕግዝ ግብራዊ መምርሒ ኮይኑ፡ መጻእትን ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረቡ ማሕበረሰባትን ኣብ ግምት የእትዩ ዝተዳለወ እዩ። ኣብ ቀንዲ ገጽ መደብ…
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast
ን ኢትዮጵያ ዝገጥምዋ ዘለዉ ዕጡቓት፡ 'ሓይልታት ምግንጻል' ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ሩብዮ ገሊጽዎም፡ (ዕለታዊ ዜና 19 ጥቅምቲ 2026)
Escuchadoኣርእስታት ዜና፥ ኤውሮጳ ብሰንኪ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ብዝኻየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተታሒዛ ትርከብ፣ ኣብ ፈረንሳ፣ ቤልጅየም፣ ፖርቱጋል፣ ኣልባንያን ኢጣልያን ዓበይቲ ሰልፍታት ተኻይዶም። መንግስቲ ለበር ክፍለ ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ምርጫ እንተተመርጹ፡ ኣብ ምሉእ ዓመተ 2027 ኣብ ሰሙን ክፍሊት ጽርግያታት (Road toll ) ካብ 30 ዶላር ንላዕሊ ከምዘይከውን ቃል ኣትዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ተዛሪቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢልዎም። #sbsaudiopodcast
"ሰራዊት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘዋፍሩሉ እዋን፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ክዓቢ ዝኽእለሉ ሓደጋ ኣሎ።" ማርኮ ሩብዮ
Escuchadoሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢሉ ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይድግፍ ገሊጹ። #sbsaudiopodcast